ምስ ቫይረስ ኮረና ዝተተሓዙ ዜናታት

2020-05-18 N21

ናይ ሓጋይ “ኮሎ” (kollo) ይፍቐድ ተባሂሉ


ቆልዑ ብዝተኻእለ መጠን፡ እቲ ልሙድ ዝዀነ ንጥፈታቶም ኪቕጽልዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፡ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡ ነቲ ”ኮሎ” ዝበሃል ናይ ቆልዑ ናይ ሓጋይ መዓስከር-ንጥፈታት፥ ኣብቲ ዚነብሩሉ ከባቢ፡ ብውሕድ ዝበለ ናይ ጕጅለታት ቑጽሪ፥ ንዚመጽእ ሓጋይ ውን ንኺትግበር ኣፍቂዱ’ሎ።
እቲ ናይቲ ንጥፈት ሓላፍነት ዚወስድ ትካል ድማ፥ ንናይ ሕማም ኮሮና ”ኮቪድ-19” ምልባዕ ሓደጋ ዚገትእ ስጕምቲ ኪወስድ ይግባእ። እዚ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ’ዚ”፡ እንታይ ዓይነት ናይ ጥንቃቐ ስጕምቲታት ኪውሰድ ከም ዘድሊ ንምልላይ ይሕግዝ’ዩ ዝበሎ፥ ሓደ ናይ ”መገምገሚ-ሓደጋ መሳርሒ” ኣዳልዩ ኣሎ።
ምንቅስቓስ ኣካላትን ካልኦት ንጥፈታትን ንኣብነት፥ ኣብ ደገ ንኺትግበሩ ከም ዚግባእ’ዩ። እቲ ካልእ ጽቡቕ ዝበሎ ነገር ድማ፥ ኣብቲ ናይ መደቀሲ ቦታትትን፥ ኣብቲ መግቢ ዚብልዓሉ ቦታታትን፥ ኣብ መንጉኡ እቲ ምርሕሓቑ ዝሓለወ ንኪኸውን’ዩ።
ካልእ ኣገዳሲ ነገር ግን፥ ቆልዑ ሓሚሞም ምስ ዚህልዉ፥ ዋላ’ኳ እቲ ምልክት ሕማሞም ቀሊል እንተዀነ፥ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ይግባእ። ገለ ኣብ ሞንጉኦም ዝሓምም ሰብ እንተ ተረኽበ ድማ፥ ናብ ገዝኡ ኪምለሰሉ ዚኽእል ምድላው ንኺህሉ እዩ።

2020-05-14 N20

መንግስቲ ነቲ ዝጸንሐ መገሻዊ ክልከላ ናብ ሽወደን ኣናዊሕዎ ኣሎ


ዝርገሐ ለብዒ ቫይረስ ኮረና ንምህዳእ መንግስቲ ነቲ ዝጸንሐ መገሻዊ ክልከላ ናብ ሽወደን ክሳብ ዕለት 15 ሰነ ኣናዊሕዎ  ኣሎ።ከም ዝፍለጥ ክልከላ መገሻ ናብ ሽወደን ብዕለት 19 መጋቢት ዝተጀመረ ኾይኑ፡ሓደ ግዜ ተናዊሑ ነይሩ’ዩ። ዝሓለፈ ሓሙስ መንግስቲ ነዚ ክልከላ መገሻ ናብ ሽወደን ክሳብ ሰኑይ ዕለት 15 ዳግማይ ኣናዊሕዎ ከም ዘሎ ቀዳማይ ሚንስተር ስቴፋን ለፍቬን ሓቢሩ። እዚ ውሳነ ዝተወሰነ ኣብ ለበዋ ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ብምምርኳስ’ዩ።
ዕላማ ናይ’ዚ መገሻዊ ክልከላ ናብ ውሽጢ ሃገር፡ ነቲ ምልባዕ ቫይረስ ኮረና ንምህዳእን ሕማም ኮቪድ-19 ንምቕናስን’ዩ።
እዚ ክልከላ ልክዕ ከም ቕድሚ ሕጂ፡ ንዂሎም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዓባይ ብርጣንያ፡ ኖርወይ፡ ኢስላንድን ስዊዘርላን ወጻኢ ዜግነት ዘለዎም ወጻእተኛታት ይምልከት። እዚ ናብ ሽወደን ናይ ምጋሽ ክልከላ፡ ንሽወደናዊ ዜጋታት ኣይምልከቶምን’ዩ።

2020-05-14 N19

ምምሕዳር መጓዓዓዝያ: ኣብ በጣሕ መካይን ኮይንካ ምብዓል ኣይፍቀድን


ካብ ዕለት 15 ጉንበት ኣትሒዙ፡ ኣብ በጣሓት መኪና ኮይንካ ምጒዓዝ ክልኩል’ዩ።እዚ ክልከላ ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ዘቕረቦ ጠለብ ኮይኑ፡ምምሕዳር መጓዓዓዝያ ድማ ኣጽዲቕዎ።

ኣብ እዋን ናይ ትምህርቲ መዕጸዊ በዐል፡ ጒዕዞ ካርኒቫል ወይ ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜታት፡ ኣብ ልዕሊ በጣሕ መኪና ወይ ተሳሓቢት ናይ ጽዕነት መኪና፡ ትራክተር ወይ ሞተራዊ ተሽከርካሪ ኮይንካ ምጒዓዝ ብመሰረት ደንብታት ምምሕዳር መጓዓዓዝያ ክልኩል እዩ።
እዚ ክልከላ ክሳብ ዕለት 31 ታሕሳስ 2020 ጸኒዑ ክጸንሕ’ዩ።

2020-05-14 N18

ምኒስትሪ ጉዳያት-ወጻኢ ሽወደን፥ ነቲ ካብ መገሻ ንምቝጣብ ኣውጺእዎ ዝጸንሐ መምርሒ የናውሖ

እቲ ንወጻኢ ሃገራት ዚግበር መገሻታት ንመጻኢ ጊዜ ይጸበ። ምኒስትሪ ጉዳያት-ወጻኢ ሽወደን (Utrikesdepartementet)፥ ነቲ ካብ መገሻ ንምቝጣብ ኣውጺእዎ ዝጸንሐ መምርሒ፥ ንሓደ ወርሒ የናውሖ።  

እዚ ሓድሽ ተኸሲቱ ዘሎ ምልባዕ ኮሮና-ቪሩስ፥ ነቲ ብዓለም-ለኸ ዚግበር መገሻታት፥ ከምዘየተኣማምን ጌሩዎ ይርከብ። በዚ ምኽንያት’ዚ እምበኣር፡ ምኒስትሪ ጉዳያት-ወጻኢ (UD) ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ-ዋዕላ፥ ናብ ኵለን ሃገራት ዓለም ዚግበር ዘይኣድላዪ መገሻታት ንዅንቁጠብ ኣውጺእዎ ዝጸንሐ መምርሒ፥ ሕጂ ከም ዘናውሖ ኣዊጁ ኣሎ። እዚ መምርሒ’ዚ ክሳብ 15 ሓምለ 2020 ዘገልግል ኪኸውን’ዩ።

እዚ ውሳኔ’ዚ፡ ካብቲ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ዕለት 14 መጋቢት 2020 ዝተኣወጀሉ ጊዜ፥ ኣቐዲሙ ውን ንሓደ ጊዜ ተናዊሑ ኔሩ’ዩ።

2020-05-12 N17

ሲፎ-ምልካዕ፤ ዝወሓዱ ሰባት ጠባይ ከም ዝቐየሩ ይገልጹ

ዝወሓዱ ሰባት ካብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንላዕሊ ሕጂ ማሕበራዊ ንጥፈታት ወይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከም ዘወግዱ ዘለዉ ይገልጹ። እቲ ካንታር ሲፎ ካብ ብዓል መዚ ምክልኻል ሕብረተ ሰብን ምድላውን MSB (Myndigheten för samhällsskydd och beredskap, MSB) ብዝተዋህቦ ዕማም መሰረት ዝገበሮ ቅያሰ ነዚ የርኢ።


ኣብዚ ቅያሰ ካብ 5 000 ሰባት ንላዕሊ፡ እዚ ናይ ኮሮና ቅልውላው ካብ ዝጅምር ንድሓር ብዛዕባ ብኸመይ ጠባዮም ከም ዝቐየሩ ንዝተሓተትዎ ሕቶታት መልሲ ክህብሉ ክኢሎም ኔይሮም። ክሳብ እዛ ዝሓለፈት ሰሙን ድልዱል ወሰኽ ናይ ብምኽንያት እዚ ለበዳ ጠባዮም ከም ዝቐየሩ ዝጠቕሱ መለስቲ ክርኣ ይክኣል ኔይሩ። ኣብዛ ዝሓለፈት ምልካዕ ግን ሓደ ምቕያር ናይ ሓፈሻዊ ኣንፈት የርኢ። ንኣብነት እቶም ብህዝባዊ መጓዓዝያ ምጕዓዝ ዘወገዱን ካብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ዝተቘጠቡን ክፋል ነክዩ።

ገለ ኣብነታት፤

  • “ካብ ገዛ ወጻኢ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ብዝወሓደ ዝርግሓ ተሳቲፈ” ካብ 74 ናብ 66 ሚእታዊት ነኪዩ።
  • “ብዙሓት ሰባት ዝርከብዎ ህዝባዊ ቦታታት ኣወጊደ” ካብ 72 ናብ 65 ሚእታዊት ነኪዩ።
  • “ኣብ መዓልቲ ስራሕ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝወሓደ ይጕዓዝ” ካብ 50 ናብ 42 ሚእታዊት ነኪዩ።

ብምልኡ እቲ ቅያሰ ኣብ msb.se ኣንብቦ።

2020-04-29 N16

ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ነፍሰ-ጾራት ጥንቃቐ ክወስዳ ይመክር

ነፍሰ-ጾራት ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንስን ኣብ እዋን ሕርስን ኮቪድ-19 ከይልከፋ ክጥንቀቓ ኣለወን። ጠንቂ ስግኣት ጥዕና ዝኾኑ ከም ህዝርጥና፡ሽኮርያ ወይ ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለወን ነፍሰ- ጾራት፡ ጥንቃቐአን ዝያዳ ከሐይለዮ ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ይጽውዕ።


ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ፍልጠት ከም ዘመልከቶ፡ነፍሰ-ጾራት ብከቢድ ሕማም ኮቪድ-19 ካብ ሰበን ንላዕሊ ክጥቀዓ ስግኣት የብለንን።ይኹን ደኣ’ምበር ንነፍሰ-ጾራት ድዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ዘድለየሉ ኲነታት ኣብ ሽወደን ኣጋጢሙ’ዩ።


– ብዙሓት ነፈሰ-ጾራት ከቢድ ሕማም ከይወርደን ወይ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ ደረጃ ከይበጽሓ ምክልኻላት ክንገብር እዩ ድሌትና ይብል ኣንደርስ ቴግነር - ኣብ ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ቀንዲ ሓላፊ ስነ-ለበዳ።


ብመሰረት ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና፡ ነፈሰ-ጾራት ብፍላይ ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንስን ኣብ እዋን ሕርስን ጥንቃቐአን ዝያዳ ከሐይለኦ ይግበአን።ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ ኣብ ስርዓት ምስትንፋስ ዘጋጥም ረኽሲ ኣብ ሕይወት ነፍሰጾር ስግኣት ክፈጥር ይኽእል’ዩ።
ጠንቂ ስግኣት ጥዕና ዝኾኑ ከም ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ህዝርጥና ወይ ሽኮርያ ዘለወን ነፍሰ-ጾራት ምስ ኣዋላዲት ወይ ሓኪም ክማኸራን ካብ ስድራቤተን ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ዘለወን ርክባት ክድርተኦን ይግበአን።

2020-04-28 N15

ናይ’ዚ ዓመት ደረጃ ተሳትፎ ጽምብል ተምሃሮ ዝተሓተ’ዩ


ናይ’ዚ ዓመት ጽምብል ተምሃሮ ብሰፊሕ ኣይክበዓልን’ዩ -  ዓብይ ምስትእንጋድ ተምሃሮ ፡ ኣብ በጣሓት መካይን ምጒራት ተምሃሮን ዓበይቲ በዓላትን ኣይክህሉውን እዮም። ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ነዚ ኣነጺርዎ ኣሎ።


ዓበይቲ ጽምብላት፡ምትእኽኻባት ወይ ንዂሉ ቤት ትምህርቲ ዘጠቓል ሰልፍታት ክካየዱ የብሎምን። ደቂ ክላስ ኣብ ልዕሊ በጣሓት መኻይን ክኾኑ የብሎምን።ብዘይካ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝውድኡ ተመሃሮ እንተዘይኮኖም፡ ካልኦት ተምሃሮ ናይ መዕጸዊ ትምህርቲ ከብዕሉ የብሎምን።

ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝውድኡ ተመሃሮ ዝምልከቱ ስነ ስርዓት ምዕዳል ባጀላን ካልኦት ንኣሽቱ ጽብላትን፡ ክሳብ ንሓደጋታት ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝድርት መንገዲ ዝተዳለዉ፡ ፍቚዳት እዮም።
ኣብ’ዚ ዓመት ናይ ዝውድኡ ተምሃሮ ምስትእንጋድ፡ ክሳብ በቢክፍሊ(በቢክላስ) ወይ በቢ ንኣሽቱ ጕጅለታት ዝተዳለው፡ክካየድ ይከኣል’ዩ።ምስ ዝካየድ ድማ ኣብ ንሓድሕድካ ምፍንታት ዘለዎ ግዳም ይዳለዉ። ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ጒጅለታትን ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዎም ሰባትን ክሳተፉ የብሎምን።

ግለሰባት ዘዳልውዎም ዕብይ ዝበሉ ግብጃታትን’ውን እንተኾነ፡ ወላ ኣብ ውሽጢ ገዛን ግዳምን ይዳለዉ ኣየምሕሩን’ዮም(ምሹኣት ኣኮኑን) ኢሉ ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ኣብ ጽሕፉ ኣስፊርዎ ኣሎ።

2020-04-27 N14

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን: ዝወሃብ ሕክምናዊ ክንክን ዕድመ ኣይውስኖን


ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኣብ’ዚ ቕንያት ንሽማግለታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ኣይወሃቦምን’ዩ ተብሂሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ከምኡ ከም ዘይኮነ ከነጽሮ ይደሊ። ኣብ’ቶም ሃገራውያን መምርሕታት ንቀደምትነት ምሃብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ተመልኪቱ ከም ዘሎ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ዕድመ ብዘይገድስ፡ ብማዕረ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝወሃቦ ካብ ቀደም ጀሚሩ ኣብ ሕጊ ተደንጊጉ ኣሎ።
እቶም ቦታታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ምስ ዘይኣኽሉ፡ መን’ዩ ንኽድሕን ዝዓበየ ዕድል ዘለዎ ዝብል ቀደምትነት ምኽታል ግድን ይኸውን። ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ምስ ዝንፈግ’ውን እንተኾነ ካልእ ሕክምናዊ ክንክን ይወሃብ’ዩ። ቀረብ ሕክምናዊ ክንክን ንኮቪድ-19 ዝሓመሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንካልእ ዓይነት ሕማም ዘለዎም ሰባት’ውን ይወሃቦም’ዩ። ይኹን ደኣ’ምበር ገሊኦም ዓይነት ሕክምናዊ ክንክናት ንመጻኢ ክመሓላለፉ ይኽእሉ’ዮም።

2020-04-23 N13

ሃገራዊ

ቤት ጽሕፈት ጥዕና: ፍሉይ በዓል ቫልቦሪ ኣብ’ዚ ዓመት

ብሰንኪ ዝርገሐ ሕማም ኮቪድ-19 ናይ’ዚ ዓመት ጽንብል በዓል ቫልቦሪ ፍሉይ ክኸውን’ዩ ይብል ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና። ካብ ጽንብላት ክንቊጠብን ምትእኽኻብ ሰባት ከይፍጠሩ ከነስተውዕል ይግበኣና። ኣብ ደገ’ውን እንተኾነ ኣብ መንጎ ሰባት ምፍንታት ክህሉ ከምዘለዎ ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ።

እቶም ሒደት’ውን እንተኾነ ጉንፋዕ ሓሚሞ ኮይኑ ዝተሰመዖም ሰባት፡ ካብ ካልኦት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ክፍንተቱ ወይ ክእለዩ ይግበኦም። ካልእ ነገር ድማ፡ ዕድሜኦም 70 ዝኾኑ ሽማግለታት፡ ወላ ኣብ ድሮ በዓል ቫልቦሪ’ውን እንተኾነ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ዘለዎም ርክባት ክድርትዎ ይግባእ። ኣብ ጉንበት ሓደ’ውን እንተኾነ ክእከቡ ናይ ዝኽእሉ ሰባት ብዝሒ ሓደ’ዩ  – ንልዕሊ 50 ሰባት ዝሓቊፍ ተቓውሞ ፍቓድ ኣይወሃቦን’ዩ። ኣብ እዋን ጽድያ ዘለዉ በዓላት ከም ሮመዳንን ዒድ ኣልፉጡርን እውን እንተኾነ፡ እቲ መምርሕታት ሓደ ዓይነት እዩ። ብምኽንያት ምክልኻል ለበዳ፡ መሳጊድ ዕጹዋት እዮም።.

2020-04-22 N12

በዓል መዚ መድሃኒትን ሕክምናዊ ፍርያትን ሰባት ካብ ባዕላዊ መርመራ ኮቪድ-19 ክቚጠቡ ይመክር

ሰባት ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዎምን ዘይብሎምን ንኽፈልጡ፡ ካብ’ቲ ባዕሎም ኣብ ገዝኦም ዝገብርዎ መርመራ እንተ ተቚጠቡ ይሓይሽ ይብል በዓል መዚ መድሃኒትን ሕክምናዊ ፍርያትን። ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ መርመራታት ኣብ ኢንተርነት ዝሽየጡ ይሃልዉ ደኣ’ምበር፡ ዘተኣማምኑ ስለ ዘይኮኑ፡ ካብ ጥቕሞም ጒድኣቶም ይዓቢ፡ ይብል እቲ በዓል መዚ።

ንኣህለኽቲ ውልቀሰባት ዝቐንዐ መሳርሒ መርመራ ውሕስነት ዘለዎም ንምጥቃሙ ድማ ቀሊል ዝኾነ ክኸውን ስለ ዘለዎ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ዕዳጋ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መሳርሒ የለን፡ ይብል በዓል መዚ መድሃኒትን ሕክምናዊ ፍርያትን።

- ወላ እቶም ንሕክምና ዝቐንዑ መሳርሒ መርመራ ኣህለኽቲ ውልቀሰባት ምስ ዝጥቀምሎም፡ እቲ ዝረኽብዎ ውጽኢት መርመራ ወይ ግጉይ ወይ ከም ጉጉይ ክትርጐም ተኽእሎታት ኣለዎ። ሓደ ግጉይ ውጽኢት፡ መልከፍቲ በቶም ሰባት ንኽላበድ ዕድል ይኸፍት እዩ ትብል ኣብ በዓል መዚ መድሃኒትን ሕክምናዊ ፍርያትን ሓላፊ ኣሃዱ ክፍሊ ሕክምናዊ ቴክኖሎጂ ኤቫ-ሌና ሃርትማን።

በዓል መዚ መድሃኒትን ሕክምናዊ ፍርያትን ነቶም ክፍሊ ሕክምና ዘቕርቦም መሳርሒ መርመራ ወይ ፈተናታት ምጥቃም ኣይቃወሞምን’ዩ።

2020-04-22 N11

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን: ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባ ንኮቪድ-19 ግዳያት ዝኾኑ ጉጅለታት

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ገለ ሰባት ኮቪድ-19 ምስ ዝሓሙ፡ ፉሉይ ጽንኩር ምዕባለ ሕማም ዘለዎ ዓቢ ስግኣት ዘስዕበሎም ጒጅለታት ኣለሊዎም ኣሎ።

በረኣእያ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ጒጅለታት እቶም፡

  • ልዑል ዕድመ ዘለዎም፡ 70ን ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድመኦም
  • ህዝርጥና ብመለክዒ ሚዛን ሰብነት(BMI) ልዕሊ 40 ዝኾኑ
  • ሕማም መንሽሮ ዘለዎም ወይ እቲ ሕማም መንሽሮ ኣብ ምሕካም ዝርከቡ እንተኾይኑ ወይ እቲ ምሕካም ኣብ ቀረባ እዋን ዘብቀዐ እንተኾይኑ
  • መትነ ጭዋዳዊ ሕማም ከም ፓርኪንሶን፡ ኤም.ኤስን( MS) ዕዮ ጭዋዳ ዘማስን ኣ.ል.ስ( ALS) ዘለዎም
  • ዕውቀታዊ ስንክልናን(ዝሕታለ ኣእምሮ) ናይ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት መኽሳእቲ ወይ ጸገማት ዘለዎም
  • ብውሑዱ እዘን ክልተ ሕማማት ዘለዎም፡ ሕማም ልብን ሰራውር-ልብን(መጥቃዕቲ ኣብ አፍ-ልቢ፡ ድኻም ልቢ፡ ወቕዒ ሓንጐል)፡ ልዑል ጸቕጢ ልቢ፡ ሕልኽላኻት ወይ ጸገም ዘለዎ ሽኾርያ፡ ሓዳሪ ሕማም ኲሊትን ድኻም ኲሊትን፡ ሓዳሪ ሕማም ሳንቡእ(ኣዝማ ዘይኮነ) ወይ ሓዳሪ ሕማም ጸላም ከብዲ
  • ካልኦት ከበድቲ ሕማማት ከም ድኹም ካብ ሕማም ምክልኻል ዓቕሚ፡ ሕማም ወይ ድሕሪ ሕማም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ገሊአን ኣካላት ከቢድ ጽልዋ ዝገድፉ፡ ቀጻሊ ናይ ምስትንፋስ ሓገዝ ዘድልዮ ማህሰይቲ ኣንጒዕ ዓንዲ-ሕቘ፡ ካብ ረኽሲ ቫይረሳት ንምክልኻል ዓቕሚ ተጻዋርነት ኣካል ዘዳኽሙ ፍወሳታት

 እቶም ጠንቅታት ምስ ዝደማመሩ ድማ እቲ ሓደጋ ዝዓበየ ይኸውን።

ኣብ’ቲ ሎሚ መዓልቲ ብሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ንመንግስቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ እቶም ምስ ሓደ ኣብ ልዑል ስግኣት ዘሎ ሰብ ዝነብሩ፡ ካብ ገዛ ወጻኢ ዝሰርሕዎ ስራሕ ነቲ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጥዕና መልከፍቲ ንኸይላባዕ ዝህቦ ምኽሪ ዘየማልእ እንተኾይኑ፡ ንግዚኡ ካብ ከም ኣቶም ዝኣመሰሉ ስራሕ ክቚጠቡ፡ እማመ ኣቕሪቡ ኣሎ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝርዝር፡ ካብ ጥሪ ቫይረስ ኮረና ክላባዕ ዝጀመረሉ ክሳብ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘሎ እዋን ዝተረኽበ ፍልጠት ዝተመርኰሰ’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ጠንቅታት ሓደጋ ዘሎ ኣፍልጦ ሒደት ስለ’ዝኾኑ፡ ምስ ግዜ ዳግማይ ግምትን ምምሕያሽን ከድልዮም’ዩ ይብል እቲ በዓል መዚ።

2020-04-17 N10

እዚ ዓመት’ዚ ናይ ጽድያ በዓላት ኣበዓዕላና ፍልይ ኪብል’ዩ

2020-04-03  N9

መድሃኒት ካብ ፋርማቻ ምውጻእ ገደብ ተገይሩሉ

ካብ ሎሚ መዐልቲ ጀሚሩ፡ መድሃኒት እንተ በዝሐ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ጥራሕ ኢኻ ካብ ፋርማቻ ከተውጽእ  ዝፍቀደልካ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ’ዚ ቕንያት ካብ መጠን ንላእሊ ዝተራእየ ጠለባት መድሃኒ፡ መንግስቲ ነዚ ክውስን ክኢሉ ኣሎ። እቲ መድሃኒት ኣብ ውሕስነት ልዑል­ዋጋ እቱው ይኹን ኣይኹን፡ እቲ ሕሙም ካብ ጅብኡ ይኽፈሎ ኣይኽፈሎ  ብዘይገድስእቲ፡ እዚ ገደብ ንዂሎም ብሓኪም ዝእዘዙ መድሃኒታት ይምልከቶም። ኣዝዮም ፍሉያት ምኽንያታት ምስ  ዝህልዉ ጥራሕ’ዩ ሕድገት ክግበር ዝከኣል።

ብተወሳኺ እቲ ውሳነ ከም ዝብሎ፡ ክልተ ስልሲት መድሃኒት ክሃልኽ ኣለዎ ቅድሚ ሓድሽ መድሃኒት እቲ ፋርማቻ ምሃቡ። እቲ ዕላማ ብሰንኪ ምውህላል(ምእካብ) ዝፍጠር ስእነት መድሃኒት ንምግታእ’ዩ።

– ኣብ ከም’ዚ ዘለናዮ እዋን ቅልውላው፡ ቀረብ መድሃኒት ምዕሩይ ክኸውን ኣገዳሲ’ዩ። ሰባት መድሃኒ ከዋህልሉ ምስ ዝጅምሩ  ገለ መድሃኒታት ንዂሉ ከይኣኽሎ ሓደጋታት ኣሎ። ስለ’ዚ ኢና ነኢዝ ውሳነ ወሲድናዮ ዘለና፡ ትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ  ጉዳያት ሌና ሃለንግሬን። 

እዚ ተገይሩ ዘሎ ገደብ ንሰብን ንእንስሳታትን ዝኸውን መድሃኒ ይምልከት። 

N8 2020-04-01

”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡- ምኽሪ፡ ዝርግሐ ለበዳ ንምንካይ

ብመሰረት እቲ ”ብቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፥ እቲ ንህዝቢ ተዋሂቡ ዘሎ ሓድሽ ምኽሪ፥ ብዙሕ ህዝቢ ዝርከብዎ ምትእኽኻባት ክውገድ ከም ዘሎዎን፥ ብፍላይ እቶም ልዕሊ 70 ዓመት ድማ ፍሉይ ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘሎዎም እዩ። እቲ ዕላማ ናይዚ ምኽሪታት’ዚ ድማ፥ ነቲ ዝርግሐ ሕማም ”ኮቪድ-19” ንምዕጋት ዝሓለነ ኰይኑ፤ ብቐንዱ ግን፡ ነቶም ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዝያዳ ተነቀፍቲ ዝዀኑ ሰባት - ናይ ሓደጋ-ጉጅለን ንኣረጋውያንን ምክልኻል ንኽረኽቡ’ዩ።
እቲ ነዚ ንምልባዕ ሕማም ”ኮቪድ-19” ንምዕጋት ዝጥለቡ ነገራት፤ እንተ ድኣ ምልክት ሕማም ርኢኻ፡ ኣብ ገዛኻ ክትጸንሕን ጽሬት-ኢድካ ብጥንቃቐ ክትሕሉን፥ ካብ ነንሕድሕድካ ድማ ክትፈናተትን እዩ። ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሰባትን፡ እቶም ካልኦት ኣብቶም ናይ ሓደጋ-ጉጅለታት እቱዋት ዝዀኑ ሰባትን፥ እቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዚገብርዎ ኣካላዊ ምቅርራብ ከጽብብዎ ይግብኦም። ካብ ሓባራዊ-መጐዓዓዝያ ውን ፍጹም ክኽልከሉ ይግባእ። ናብ ድኳናት ከይዶም ምሽማት ከቛርጽዎ፥ ንኣብነት ፋርማቻ፡ ቤት መሸጣ-መግቢ ወይ ውን ናብ ህዝቢ ዚእከበሉ ቦታታት ካብ ምኻድ ምቝጣብ’ዩ።
ብመሰረት እቲ ”ብቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፡ እቶም ቀንዲ ናይ ሓደጋጉጅለ፡ እቶም ዕድመ ዝደፍኡን፡ ሕዱር ሕማማት ዘሎዎምን ሰባት’ዮም። ንኣብነት ጸቕጢ-ደም፡ ሕማም-ልቢን መትነታት ደምን፡ ሕማም-ሳንቡእ ወይ ውን ሕማም ሽኰሪያ ዘሎዎም ሰባት’ዮም። እቶም ዚያዳ ብኸቢድ ዚጥቅዑ ሰባት፥ እቶም ተደራራቢ ሕዱር-ሕማማት ዘሎዉዎም ሰባት’ዮም።
ኵላትና ኣብ ሽወደን እንነብርን ኣብ ንጥፈታት ንሳተፍን ሰባት፥ ነዚ ዝርግሐ ናይዚ ሕማም’ዚ ንምዕጋት ሓላፍነት ኣሎና’ዩ፡-
ማሕበራት-ስፖርት፡ ብዝተኻእለ መጠን ልምምዳትን ኣብ ደገ ዚግበር ስፖርታዊ ንጥፈታትን ደው ከብሉ፥ ናይ ልምምድ-ግጥማት፡ ግጥማትን ናይ ዋንጫታት ውድድራትን፥ እቲ ዕለታቱ ንቕድሚት ከሰጋግርዎ፡ ከምኡ ውን ቁጽሪ ናይቶም ተዓዘብቲ ሰባት ከውሕዱን እዩ።
ህዛባዊ-ማሕበራት፡ እንተ ደኣ ተኻፈልቲ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ቦታ ብኣካል ንኺርከቡ ዚጠልብ ኰይኑ፥ ዓመታዊ ጉባኤታቶምን ካልእ ኣኼባታቶምን ንመጻኢ ዕለታት ንቕድሚት ከሰጋግሩ ይግባእ።
ኣብ ሓባራዊ-መጐዓዓዚያን ትራንስፖርትን ቁጽሪ ገያሾ ምንካይን፥ ሰባት መታን ከይጸቓቘጡ ድማ ብዝሒ ዝመላለሳ መጐዓዝያታት ምስቲ ህልዊ ኩነታት ከም ዚዛመድ ምግባር’ዩ።
ወሃብቲ-ስራሕ (ትካላት)፡ ሰራሕተኛታቶምን በጻሕቲን ከም ዝፈናተቱ ምግባርን፥ ሰራሕተኛታቶም ውን ካብ ዘየድሊ መገሻታት ተቖጢቦም፥ ኣብ ገዝኦም ኰይኖም ከም ዚሰርሑ ምግባር’ዩ።
ድኳናትን ማእከላት-ዕዳጋን ከምኡ ውን ”ጋለርያታትን”፥ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝተወሰነ ጊዜ ኣብቲ ውሽጢ’ቲ ድኳን ኪህልዉ ዚኽእሉ ዓመውል ከም ዚንክዩ ምግባር’ዩ። ነቲ ኣብ መኽፈሊ-ካሳ ዚግበር መስርዕ ውን፡ ካልእ ኣማራጺ ፍታሓት ከም ዚህሉ ምግባር። ወይ ውን ሰባት ካብ ሕድሕዶም ተፈናቲቶም ደው ንኺብሉ ዚገብር መምርሒ ምድላው እዩ።
እዞም ወጺኦም ዘሎዉ ናይ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ሕጊታትን ህዝባዊ-ለበዋታትን፥ ክሳብ 31 ታሕሳስ (december) 2020 ዘገልግሉ ኰይኖም፥ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግን፡ እቲ ጊዜ ኪሓጽርን ወይ ውን ኪናዋሕን ይኽእል እዩ።

N7 2020-04-01

ቁጽሪ ምርማራታት ናይ ”ኮቪድ-19” ክብ ምባል

”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡ ብኸመይ ጌርካ ዝበዝሐ ቁጽሪ ህዝቢ ናይ ”ኮቪድ-19” ምርመራ ኪግበረሉ ከም ዚኽእል ሓደ ”እማመ” ሒዙ ንኺቕርብ፥ ካብ መንግስቲ ሽወደን መዝነት ተዋሂቡዎ ኣሎ።
”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡ ነቲ ብኸመይ ጌርካ ዝበዝሐ ቁጽሪ ህዝቢ ምርመራ ኪግበረሎም ከም ዚኽእል ዚወጽእ ናይ ስራሕ ስትራተጂ ኪመርሖ እዩ። እዚ ቤትስልጣን’ዚ ብተወሳኺ፡ እዚ ምርመራታት’ዚ ጽባቐ ዓይነቱ-ተሓልዩ ብዝዓበየ ደረጃ ተፈጻሚ ንምግባር፥ ነቲ ኣብ ዞባዊ-ምምሕዳራትን፡ ኮሙናትን ካልኦትን ኪግበር ዚድለ ናይ ስርሓት ተበግሶ ከወሃህድ እዩ። እቲ ጽሑፍ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ከም ዝገልጾ፥ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ እቶም ሕሙማንን እቶም ሰራሕተኛታት ክንክን-ሕማምን፥ ብቐጻሊ ውን ነቲ ምርመራ ናይ ምግባር ውሕስነቶም ርጉጽ ከም ዚኸውን ንምግባር እዩ።
- እቶም ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ዘሎ ጉጅለታት፥ ንመጻኢ ውን እንተዀነ ውሕስነት ናይ ምምርማር ኪረኽቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ልዑል ቀዳምነት ኪወሃቦ ዘሎዎ፥ እቲ ነጸረ-ሕማም ቅድሚኡ ወይ ምስቲ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስካ ተተሓሒዙ ንኺግበር’ዩ። እዚ ምግባር ዘድሊ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ለበዳ ንኸየጋጥም፥ ከምኡ ውን ንኣብነት ኣብ መንጎ እቶም ተነቀፍቲ ሰባትን ኣረጋውያንን ዚርከብዎ ናይ ሓልዮትን መንበሪ-ቦታታትን ንኸይላበድ’ዩ፤ ክትብል ሓለቓ ክፍሊ ምምሕዳር “ቤትስልጣን-ጥዕና-ህዝቢ”፡ ላዕለወይቲ ዶር ካሪን ቴግማርክ ዊሴል ገሊጻ ኣላ።

2020-03-31N6

ብሃገር ደረጃ ናብ እንዳ-ኣረጋውያን ናይ ምብጻሕ ክልከላ

መንግስቲ ሽወደን፡ መታን ነቲ ለበዳ ሕማም ”ኮቪድ-19” ንምዕጋት ኪብል፥ ኣብ ምሉእ ሃገር ዚርከብ ኣረጋውያን ዝነብሩሉ ኵሉ ትካላት፥ ናይ ምብጻሕ ክልከላ (እገዳ) ውሳኔ ኣሕሊፉ ኣሎ። እዚ ውሳኔ’ዚ፡ ካብ 1 ሚያዝያ ኣብ ግብሪ ኪውዕል’ዩ።

- እቶም ብዝተፈልየ-ጥንቃቐ ካብዚ ”ቫይረስ’ዚ” ክንከላኸለሎም ዘድልየና ሰባት፥ እቶም ኣብ ገጠራዊ ትካላት እንዳ-ኣረጋውያን ዚነብሩ ሰባት’ዮም። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ምኒስተር ማሕበራዊ-ጉዳያት፡ ሌና ሃለንግሬን ዝበለቶ፡ ኣብ ከምዚ ቦታታት’ዚ ለበዳ ንኸየጋጥም ርጉጽነት ክነውሕስ ይግብኣና እዩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ እንዳ-ኣረጋውያን ዚግበር ምብጻሕ ኣመልኪቱ፥ ኣቐዲሙ ውን ተሪር መጠንቀቕታ ሂቡሉ ኔሩ’ዩ። ብዙሓት ኮሙናት ውን፡ ነዚ መጠንቀቕታ’ዚ ብምስዓብ፡ ነንበይኖም ናይ ክልከላ ስጕምቲታት ወሲዶም ኣሎዉ’ዮም። ሕጂ ግን መንግስቲ፡ ንምሉእ ሃገር ዚኸውን፡ ሓደ ዝዓይነቱን ንጹርን ዝዀነ መርሓ-ግብሪ ኣውጺኡ ኣሎ።

እዚ ውሳኔ’ዚ ሓፈሻዊ መምርሒ’ዩ። እታ ሓላፊት-ምምሕዳር ናይ ሓደ መንበሪ-ቤት ግን፥ ንነፍሲ-ወከፍ ምብጻሕ ብዚምልከት፥ ካብዚ ክልከላ’ዚ ዝተፈለየ ፍቓድ ክትህብ ትክእል’ያ። እዚ ግን፡ እንተ ደኣ ነቲ ፍሉይ ፍቓድ’ቲ ንምሃብ ዝደፋፍእ ፍሉይ ኵነታት ተፈጢሩን፤ ንምልባዕ ”ኮሮና-ቫይረስ” ውን ሓደግኡ ውሱን እንተ ዀይኑን ጥራይ’ዩ።

2020-03-27 N5

ካብ 50 ሰባት ንላዕሊ ብሓንሳብ ኮይንካ ምእካብ ኣይፍቀድን(እጉድ እዩ)

ካብ ሰንበት ዕለት 29 መጋቢት ጀሚሩ ሓፈሻዊ ምትእኽኻባት ይኹኑ ሕዝባዊ ምርኢታት እንተ በዝሐ 50 ተሳተፍቲ ሰባት  ጥራሕ ይፍቀድ። እዚ ዓርቢ(27 መጋቢት) ብመንግስቲ ተወሲኑ።  ብዝሒ ተሳተፍቲ ካብ 50 ሰባት ንላዕሊ ምስ ዝኸውን፡ ፖሊስ ነቶም ምትእኽኻባት ይኹን ምርኢታት ክስርዝዎም ወይ ደው  ከብልዎም ይኽእሉ እዮም። እቶም ምርኢት ወይ ኣኼባ ዘዳልዉ ነዚ እገዳ ምስ ዝጥሕሱ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ወይ እንተ በዝሐ  ን6 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክብየነሎም ይኽእል’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ደረት ብዝሒ ተሳተፍቲ ናይ’ቶም ሕዝባውያን ምትእኽኻባት 500 ከም ዝነበረ ዝዝከር’ዩ፡ ሕጂ ግን  ብጠለብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ጥዕና ተቐይሩ ኣሎ። ምኽንያት መቐየሪኡ ድማ ዝርገሐ ተላባዒ ሕማም ቫይረስ ኮሮና  ንምድራቱ’ዩ። ሓፈሻዊ ምትእኽኻባት ሓፈሻዊ ምትእኽኻባት ክበሃል ከሎ:

  • ንሰላማዊ ሰልፊ፡ ንዘተ፡ ርእይቶኻ ንምግላጽ ወይ ሓበሬታ ንህዝቢ ወይ ንውልቀ­ሰባት ንምሃብ ተባሂሎም ዝግበሩ  ሓፈሻዊ ምትእኽኻባት 
  • ንምምሃር፡ ህዝቢ ንምሕባር ወይ ዜጋታት ንምንቃሕ ዝወሃቡ ኣስተምህሮታት ወይ ኣቕርቦታት
  • ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰሩ ምትእኽኻባት
  • ኣብ ትያትራዊ ምርኢት፡ ሲነማታት፡ ምርኢት ሙዚቃን ካልኦት ስነ ጥበባዊ ፍርያት ንምርኣይ ዝግበር ምትእኽኻብ 
  • ቅዋም ዝፈቕዶም ነጻ ኾይንካ ኣኼባ ንምክያድ ዝግበሩ ካልኦት ምትእኽኻባት


ሕዝባዊ ምርኢት

  ሕዝባዊ ምርኢት ክበሃል ከሎ:

  • ውድድራት፡ ምርኢታት ናይ ስፖርትን ግጥማትትን ስነ­በረራን
  • ምርኢታት ሳዕስዒት
  • መዘናግዒ ቲቮሊን ሰልፍታት በዓላትን
  • ዕዳጋታትን ዓውደ­ምርኢትን(ኤግዚቢሽን)
  • ከም ህዝባዊ ምትእኽኻብ ወይ ምርኢት ሰርከስ ዘይውሰዱ(ዘይሕሰቡ) ካልኦት ምርኢታት

ኣብያተ ትምርህቲ፡ ሕዝባዊ መጓዓዓዝያ፡ ውልቃውያን ዉራያትን ንናብ ንግዲ­ቤት(እንዳ ዱካን) ምኻድ ግን እቲ እገዳ  ኣይምልከቶምን እዩ።

2020-03-24 N4

“ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡- ምልምማድ ምውሳስ-ኣካላት ግበር - ግን ብጥንቃቐ ድማ ግበሮ

ስፖርትን ናይ ምልምማድ ምውስዋስ-ኣካላት ንጥፈታት፥ ኪቕጽሉ ይኽእሉ’ዮም። እንተዀነ ግን፡ ብመሰረት መምርሒ “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፥ ናይ ምልባዕ ሕማም ንምክልኻል ናይ ጥንቃቐ ስጕምቲ ምውሳድ ከድሊ’ዩ።

ከም ናይ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ኣረኣእያ፥ ኣካልዊ-ምንቅስቓስ ንጥዕናና ጽቡቕ’ዩ፥ ስለዚ ስፖርትን ልምምድ ምውሳዋስ-ኣካላትን ኪቕጽል ኣሎዎ። ልምምዳትን፡ ግጥማትን፡ ናይ ከባቢ ውድድር-ጸወታ ጋንታታትን፡ ብምኽንያት’ዚ ለበዳ ከቛርጽ ኣየድልን’ዩ። ቤት ልምምድ ምውሳዋስ-ኣካላት፡ እንዳሓምባሳይ፡ ኣዳራሻት ምውሳዋስ-ኣካላት ውን ኪኽፈቱ ይኽእሉ’ዮም።

እንተዀነ ግን፡ እቲ ዚግበር ንጥፈታት ምስቲ ህልዊ ናይ ለበዳ ሓደጋታትን ንዕኡ ምግታእን ክነዛምዶን የድሊ’ዩ። ንኣብነት እቲ ልምምድ ካብ ውሽጢ ገዛ ወጻኢ ኪግበር ይኽእል’ዩ። ”ቤትስልጣን ጥዕናህዝቢ”፡ ምስቲ ”ሃገራዊ ውድብ ምውሳዋስ-ኣካላትን” ካልኦትን ለዘባ ብድሕሪ ምግባሩ፥ ነዚ ሓለፍቲ ስፖርትን ትካላት ልምምድ ምውስዋስ ኣካላት ንጥፈታትን ኪስዕብዎ ዘሎዎም መምርሒ ኣውጺኡ ኣሎ።

• ዝሓመመ ሰብ፡ ዋላኳ ምልክታት’ቲ ሕማም ቀሊል ይምሰል፥ ክሳብ’ቲ ካብ ሕማሙ ዝሓዊን፡ ብድሕሪ ምሕዋዩ ውን ክልተ መዓልትን፥ ኣብ ገዝኡ ኪጸንሕ ደኣ እምበር፡ ፍጹም ኣብቲ ንጥፈታት ክሳተፍ ኣይግባእን። ሓደ ሰብ ኣብ ልምምድ ከሎ ምስ ዚጽልኦ፥ ብቐጥታ ናብ ገዝኡ ኪኸይድ ይግባእ።
• ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፥ ኣብ ውሽጢ ገዛ ጕጅላዊ-ንጥፈታት ኪሳተፉ ኣይግባእን። ንጥዕንኦም ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ኣካላዊ-ምንቅስቓስ ኪገብሩን፥ ኣብ ደገ ወጺኦም ውን ብእግሮም ምኻድ ኪቕጽሉ ንመክር።
• ተጸጋጊዕካ ካብ ዚግበር ነገራት ኪቝጠቡ፥ ኣብ ክንድኡ ካልእ ዓይነት ልምምድ ይግበሩ።
• መስተዪ-ማይ፡ መሸፈን-ኣፍ ወይ ከምኡ ዓይነት፥ ናይ ምራቕ ነገር ከተሓላልፍ ስለ ዚኽእል ዘይምልቕቓሕ።
• ንኢድካ ማይ-መሕጸቢ ወይ ንኢድ ዚኸውን ኣልኮል ከም ትረክብ ግበር። ጽቡቕ ናይ ኢድ ጽሬት ንኺህልወካ ተደፋፋእ።
• ጽቕጥቕት ካብ ዝፍጠረሉ ቦታታት ተቖጠብ፥ ንኣብነት ኣብ ኣፍ-ደገ ኣብያተ-ንግዲ ወይ ኣብያተስፖርት

2020-03-24 N3

“ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፡- ኣብ ኣብያተ-መግቢ፡ ካፌቴሪያን፡ ባራትን ምጽቕቓጥ ኣየፍቅድን’ዩ

ብመሰረት’ቲ ካብ “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ዝወጸ መምርሒ፥ ኣብ ናይ ምጽባይ መስርዕ፡ ኣብ ”ቡፌመግቢ”፡ ኣብ ጣዋሉ ባራትን እንዳሻሂታትን፥ ምጽቕቓጥ ናይ ሰባት ከጋጥም ኣይግባእን።

እዚ ሓድሽ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ ናይ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ሕዝቢ”፥ ካብ 25 መጋቢት (mars) ጀሚሩ ኣብ ተግባር ውዒሉ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ፡ ”ኣብያተ-መግቢ”፡ ባራት፡ ካፌቴሪያታት፡ ንምልባዕ ”ኮቪድ-19” ንምግታእ፥ ፍሉይ ዝዀነ ስጉምቲታት ክወስዱ የድልዮም’ዩ ማለት’ዩ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ’ዚ፡ ብመሰረት’ቲ ብቤትስልጣን ምቁጽጻር-መግቢ ዝወጸ ሕጊ (Livsmedelsverkets föreskrifter (LIVSFS 2005:20) 11 §፥ ኣብቶም ነዚ ሕጊ’ዚ ዚምልከቶም መዳያት፥ ንኣብነት ”ኣብያተ-መግቢ”፡ ናይ ኣብያተስራሕ ኣብያተ-መግቢ”፡ ባራት፡ ካፌቲሪያታት፡ ናይ ኣብየተ-ትምህርቲ ኣብያተ-መግቢን፡ ”ዘርጋሕቲ ስሩሕ-መግቢን” ንኺጸንዕ እዩ።

ነፍሲ-ወከፍ ኣብያተስራሕ፡ እቶም በጻሕቲ ኣብ መንጎኦም ተፈናቲቶም ከም ዝቖሙ ምግባሩ ከረጋግጽ ይግባእ። እቶም በጻሕቲ ”ኣብያተ-መግቢ” ኣብ ሓንቲ ጣውላ ጥራይ ተቐሚጦም ኪብልዑን ኪሰትዩን ወይ ድማ መጺኦም መግቦም ሒዞም ኪኸዱን እዩ። ኣብ ባራት ጠጠው ንዝበሉ ዚግበር ኣገልግሎት ኣይፍቀድን’ዩ። መጺእካ ዚውሰድ መግቢታት፥ ኣብ ምንጎ ሰባት ጽቕጥቅጥ ክሳብ ዘይፈጠረ፥ ከም ቀደሙ ኪቕጽል ይኽእል’ዩ።

እቲ ናይቲ ትካል (ቤት-ንጥፈት) ሓላፊ፡ ብመሰረት እቲ “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ዘውጽኦ ጽሑፍ፥ ነቲ ናይ ሕማም ምልባዕ ሓደጋ ብዝተኻእለ መጠን ንምክልኻሉ ኪክኣል፥ ናይ ትግባረ-መምርሒ መደብ ክህልዎ ይግባእ።

”ሓኪም-ምክልኻል-ተላጋቢ-ሕማም” (Smittskyddsläkaren)፥ ምስቲ ኮሙን ብምምኻር፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ሕጊ ዘይስዕቡ ”ኣብያተ-ዕዮ”፥ ናይ እገዳ ውሳኔ ከሕልፍ ይኽእል’ዩ።

2020-03-19 N2

“ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፡- እዚ መገሻ’ዚ ብሓቂ ኣድላዪ’ድዩ ኢልካ ኣስተንትን።

ብምኽንያት ናይ ”ኮሮና ቫይረስ” ለበዳ፥ “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፥ ኵሉ ሰብ ነቲ መዲብዎ ዝጸንሐ ናይ ብዓላት-መገሻ ወይ ኣብ ሽወደን ዝተሓስበ ካልእ መገሻታትን፥ ብሓቂ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ብሓድሽ ንኽሓስቡሉ ይመክር። ዝሓመም ሰብ ብፍጹም ክገይሽ ኣይግብኦን’ዩ።

ሕማም ”ኮቪድ-19” ኣብ ሕብረተ-ሰብና ይላባዕ ከም ዘሎ ንጹር ምልክታት ተራእዮም ኣሎዉ፤ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ እተን ዓበይቲ ከተማታት’ዩ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ዕረፍቲን በዓል-ፋስጋን፥ ብዛዕባ መገሻታትካ ክትሓስበሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

– ዓበይቲ-በዓላት - ዓበይቲ ናይ መገሻ መደባት ዘበጋግስ’ዩ። ካብ ተመኩሮታትና ከም ተዓዘብናዮ፥ ናብ ዓዲ-ጥልያንን ናብ ኣውስትሪያን ዝተገብረ ናይ ዕረፍቲ መገሻታት፥ ኣብ ሓንቲ ሃገር እንታይ ናይ ጂኦግራፍያዊ ለበዳ ሳዕቤን ከኢህልዎ ከም ዚኽእል ርኢና ኣሎና። ኪብል መንግስታዊ ክኢላ ”ስነ-ሕማም ለበዳ”፡ Anders Tegnell ገሊጹ ኣሎ።

“ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten) ዚህቦ ምኽሪ ምበኣር፥ ነቲ መዲብናዮ ዘሎና መገሻ፡ ብፍላይ ንኣብነት ናብ ሓደ ዓቢይ ከተማ፥ ናብ ትካላት-ጎቦታት ወይ ውን ብዙሕ ሰብ ናብ ዚእከበሉ ስሓቢ ናይ ዕረፍቲ-ቦታታት እንተ ዀይኑ፥ ብሓቂ እቲ መገሻ’ቲ ክገብሮ የድሊዶ ኢልካ ክትሓስበሉ ይግባእ።

2020-03-17 N1

ንዅሎም ናይ ”ጂምናስዩም”፡ ናይ ሞያዊ-ኮለጃትን ዩኒቨርሲቲን ተመሃሮ፥ ትምህርቶም ብርሑቕ ንኽከታተሉ’ዩ ዚምከር።

“ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፥ ናይ ሽወደን ናይ ”ጂምናስዩም ኣብያተትትምህርቲ”፥ ”ኮሙናዊ ቤትትምህርቲ-በጽሒታት” (kommunala vuxenutbildningar)፥ ”ሞያዊ-ኮለጃትን” ”ዩኒቨርሲታትን”፥ ብምኽንያት ናይዚ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ፥ ”ብርሑቕ-ኣገባብ” ትምህርቲ ንኺወሃብ መምርሒ ሂቡ’ዩ።

ዕላማ ናይቲ መምርሒ ድማ፡ ነቲ ምልባዕ ናይ ”ኮቪድ-19” ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ንምግትኡ እዩ።

– ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ሃለዋት፡ ናይ ”ጂምናስዩም ኣብያተ-ትምህርቲ”፡ ”ሞያዊ-ኮለጃትን” ”ዩኒቨርሲቲን” ብርሑቕ ትምህርቶም ንምክትታል ኣገባባቶም ንኽቕዩሩ መምርሒ ምውጻእ ርትዓዊ’ዩ። ሽዑ ድማ እቲ ትምህርቲ፥ ተምሃሮ ኣብ ክፍሊን ኣብ ኣደራሻትን ዘይእከቡሉ ኩነታት፥ ኪወሃብ ይኽእል እዩ። ይብል Johan Carlson ጀነራል ዳይረክተር “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”።

መባእታዊ ቤትትምህርቲን ”ቅድመ-ትምህርቲ-ክፍሊን” በዚ መምርሕ’ዚ ኣይጽሎዉን’ዮም። መባእታዊ ቤትትምህርቲን ”ቅድመ-ትምህርቲ-ክፍሊን” ዚዕጸወሉ ኣገዳዲ ኩነታት እንተ ተፈጢሩ ግን፥ መንግስቲ ሽወደን ምስቶም ኣብ ”ጨንፈር-ትምህርቲ” ዘሎዉ ወከልቲ ሰልፊታት ብምዃን፥ ነቶም ቆልዑ ናይቶም ኣብ ኣገዳሲ ማሕበረ-ሰብኣዊ ስራሕ ተጸሚዶም ዘሎዉ ወለዲ፥ ብመንግስቲ ውሕስነት ”ሓልዮትሕጻናት” ንኺረኽቡ ንምርግጋጽ ዘኽእሎ ሓድሽ ሕጊ ንምርቃቕ፥ ኣብ መጽናዕቲ ይርከብ ኣሎ።

Publicerades