ሶርምላንድ Sörmland

ID104

ጥብቂ መምርሒ

ኩላቶም ኣብቲ ምምሕዳር ዘለዉ ከምዚ ዚስዕብ ኪገብሩ ይጽውዑ ኣለዉ፥

  • ምስቶም ምሳኻ ዚቕመጡ እንተ ዘይኮይኑ፡ ብዚከኣል መገዲ ምስ ካልኦት ኣይትልገብ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ፌስታን ጽምብላትን ወይ ተመሳሳሊ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ኣይትሳተፍ፡ ወይ ድማ ባዕልኻ ኣይተዳሉ፡ ማለት እዩ።
  • ካብቶም ብዘይ ምልግጋብ ወይ ምትንኻፍ ኪካየዱ ዘይክእሉ ንጥፈታት፡ ከም ንኣብነት ምትንኻፍ ዘለዎ ስፖርት ወይ ድማ ሕክምናዊ ምኽንያት ዘይብሎም ናይ ስነጽባቐን ክንክንን ንጥፍታት ተቖጠብ።
  • ኣብ ውሽጢ ገዛውቲ ካብ ምጽናሕ ተቖጠብ፡ ንኣብነት ከም ቡቲካትን ማእከላት ዕዳጋን ኣብያተመዘክራትን ኣብያተንባብን መሐምበሲታትን ጂምን ። ናብ ጥረ-መግቢ ዚዕደጎ ቦታን ናብ ፋርማሲን ዚግበር ኣድላዪ ምብጻሕ ግን ይከኣል እዩ።
  • ካብ ንኣብነት ኣኼባታት፡ ኮንሰርትታት፡ ጽምብላት፡ ናይ ስፖርት ልምምድ፡ ግጥማትን ውድድራትን ተቖጠብ። እዚ ግን ነቲ ናብቶም ኣብ 2005 ወይ ድሕሪኡ እተወልዱ ህጻናትን መንእሰያትን ዝዓለመ ልምምድ ስፖርት ኣይምልከትን እዩ። 

ይኹንምበር፡ ኣድላዪ ምርኻባት፡ ከም ንኣብነት ናይ ክንክን ወይ ሕክምና ምርመራታት ምግባር ኣብዚ መምርሒ'ዚ ኣይኣቱን ኣዩ።

እቲ ውሳነ ነቶም ኣብ ኮሮንበርይን ሶደርማንላንድን ዘለዉ ናይ ስራሕ ቦታታትን ንጥፈታትን፡ ከም ኣብነት ዱካናትን ማእከል ዕዳጋን ናይ ስፖርት ቦታታትን ይጥርንፍ እዩ፥

  • ምእንቲ ነፍስወከፍ ሰብ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዞባዊ ህዝባዊ መምርሒ ምኽታል ኪኽእል፡ ትካላትን ወሃብቲ ስራሕ ስጉምቲ ኪወስዱ ይግባእ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ገዛውቶም ኮይኖም ኪሰርሑ ኪውከሱዎም፡ ኣብ ገዛ ኮንካ ንምስራሕ ዘድሊ ተወሳኺ ሃዋህው ኪፈጥሩ፡ ናይ ስራሕ ጕዕዞን ኮንፈረንስን ካልእ ኣካላዊ ኣኼባታትን ድማ ንግዜኡ ከም ዚመሓላለፍ ኪገብሩ ማለት እዩ።
  • ካልኦት ስራሓት ወይ ዋኒናት ነቲ ብሓደ ግዜ ዚግበር ምብጻሕ ከጕድላኦን ነቲ ናይ ምኽፋት ሰዓታት ከማሓይሻኦን፡ ዲጂታላዊ ኣማራጺ ከተኣታትዋ ይኽእላ እየን።

 

ID105

ፍሉይ ክልከላታት

ክሳዕ ካልእ መምርሒ ዚውሃብ፡ እቲ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታትን ጽምብላትን ዚህሉ ካብ 50 ሰባት ንላዕሊ ዘየፍቅድ መምርሒ ኣብቲ ምምሕዳር ኪቕጽል እዩ።

Publicerades