መገሻ ውሽጣዊ ሃገርን ሕዝባዊ መጐዓዓዝያን
ID71
ቅድሚ መገሻ ምፍጻምካ
ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ሽወደን እትገብሮ መገሻታት፡ ካብ ምጽቕቓጥን ካብ ናይ መቐመጢ ምዝገባ ዘይብሉ ህዝባዊ መጎዓዝያታትን ተቖጠብ፡ ብዘይካቶም ኩሉ ግዜ እትረኽቦም ሰባት፡ ምስ ካልኦት ካብ ምርኻብ ድማ ተቖጠብ። ናይ ኮቪድ-19 ምልክታት ምስ ዚህልዉኻ፡ ኣብቲ ናይ መገሻኻ መወዳእታ፡ ነብስኻ ብውሑስ መገዲ ክትውሽብን፡ ንገዛኻ ድማ ብውሑስ መገዲ ክትምለስን ክትክእል ኣሎካ።
ዋላ እቶም ናይ መጐዓዝያ ኩባንያታት እንተዀነ ውን፥ ናይ ምጽቕቓጥ ጸገማት ንኸይፍጠርን፥ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ተሽከራካሪት ውን ብዝሒ ናይ ተሳፈርቲ ኣብ ምንካይን፥ ሓላፍነት ክወስዱ ይግብኦም’ዩ።
ካብ ጽቕጥቅጥ ምርሓቕን፡ ምዝርጋሕ ለበዳን ዚምልከት መምርሒ፥
- ኣድላዪ እንተ ዘይኮይኑ ኣይትግሽ - ምልክት ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ዚህልወካ ድማ ኣብ ገዛ ጽናሕ።
- ኣብቲ ጽቕጥቅጥ ዝበዝሖ ሰዓታት ኣይትጎዓዝ።
- ኮፍ መበሊ ንምሓዝ ዘይከኣል ምስ ዚኸውን ኣብ ክንዲ ህዝባዊ መጎዓዝያ ካልእ ተጠቐም።
- ኣካላዊ ርሕቀትካ ሓሉ - ወላ'ውን ኣብ መገዲ።
- ኣብ መገሻኻ ምስ እትሓምም፡ ብውሑስ መገዲ ንገዛኻ ክትምለስ ከም እትኽእል ኣገባብ ኪህልወካ ሕሰበሉ።
- ካብ ጥሪ 7 ጀሚሩ፡ ኣብቲ ግዜ ጽቕጥቅጥ ዚካየድ ህዝባዊ መጎዓዝያ፡ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ኪግበር መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ።
ID72
ኣብ ጊዜ መገሻኻ
ብዙሓት ናይ መጐዓዝያ ኩባንያታት፡ ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ”ኮሮና-ቪሩስ” እዚ ዘውጽእኦ ሓበሬታ ኣሎወን እዩ። ኣብቲ ኣድራሻ ኢንተርነት (webbplats) ናይታ ዝመረጽካያ ናይ መጐዓዝያ ኩባንያ ኣቲኻ፥ ብዛዕባ’ተን ክትገሸለን ሓሲብካ ዘሎኻ መስመራት ኣውጺኦሞ ዘሎዉ ሓድሽ ናይ ኣገባብ መምርሒታት፥ እንታይ ከም ዝዀነ ሓበሬታ ርኸብ። ካብቲ መራሕ-ትራፊክ ንዚወሃብ መምርሒ ውን ብጥንቃቐ ስዓቦ። ኣብዚ ታሕቲ ዘሎዉ መራኸቢ ቀሌቤታት፥ ብቛንቋ ሽወደን ሓበሬታ ናብ ዚወሃበሉ ገጻት ክመርሑኻ’ዮም።
- Trafikverkets information
- Swedavias samlade reseinformation
- Länsstyrelsen i Norrbotten om begränsningar för resor till Finland och Norge
- SJ om inställda avgångar och reducerad trafik
- Skånetrafiken om bland annat resor till Danmark
- Storstockholms lokaltrafik (SL) om nya rutiner i kollektivtrafiken
- Västtrafiks information
- Waxholmsbolaget om skärgårdstrafiken i Stockholm
- Transportstyrelsen om sjöfart och covid-19
- Branschorganisationen Svensk Sjöfart om sjöfart och covid-19
- Transportstyrelsen om vad du bör tänka på vid flygresor
- Transportstyrelsen om vidtagna åtgärder inom svenskt flyg
ID88
ህዝባዊ መጎዓዝያን ጽቕጥቅጥን
ናይ ሽወደን ኮሙናትን ዞባታትን SKR፡ ትካላት ህዝባዊ መጓዓዝያ ጽቕጥቅጥ ንኽቕንሳን ከምኡ ብምግባር ዝርገሐ ለበዳ ንኽቃለሳን እንታይ ክገብራ ከም ዝኽእላ ዝርዝር ኣዳልዩ ኣሎ። ጕዕዞ ብኣውቶቡስ፡ ባብርን ባሕርን ዘዳልዋ ትካላት ኣብ ናተን መሳርሒ መጓዓዝያታት ንዘገልግል ሕግታት ባዕለን ይውስና።
ኣብ ናይ ሓባር መጎዕዝያን ህዝባዊ ተሽከርከርትን ንዚህሉ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምዕጋት፡ እቶም ዚምልከቶም ኣካላት ከምዚ ዚስዕብ ኪገብሩ ይግባእ፥
- እቲ መጎዓዝያ በቲ ንጽቕጥቅጥ ዘጉድል መገዲ ይንቀሳቐስ ምህላዉ ምርግጋጽ
- ነቲ ኣብ ተሽከርካሪ ዚህሉ ቁጽሪ ተሳፋሪ ምድራት
- ነቶም ተሳፈርቲ ከመይ ጌሮም ጠንቂ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኪቕንሱ ከም ዚኽእሉ ምሕባር
ንነዊሕ ህዝባዊ መጎዓዝያ ዚምልከቱ ቅየዳታት
ኣብተን መስመረን ልዕሊ 150 ኪሎመተር ዝኾነ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን፡ እቲ ብዝሒ ተጓዓዛይ ካብቲ ፍርቂ ናይታ ተሽከርካሪት ቁጽሪ ኮፍ-መበሊ ኪበዝሕ የብሉን።
ሓበሬታ ብዛዕባ ንነዊሕ ህዝባዊ መጎዓዝያ ዚምልከቱ ቅየዳታት ኣብ ናይ መንግስቲ ወብሳይት ትረክብ (እቲ ገጽ ብቛንቋ ሽወደን እዩ)