ህየሳ ምንጪ (tigrinja)

ህየሳ ምንጪ ከቢድ’ዩ።ከቢድ ይኹን ደኣ’ምበር፡ዓቕሚ ናይ ምንጪ ህየሳ ንምምዕባል ብዙሕ ክግበር ይከኣል’ዩ።ናይ ምትላል ሓደጋታት ዝቕንሱ ሜላታት ኣለዉ።ካብ’ቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ምኽትርታት ሓደ፡ እቲ ዝርከብ ሓበሬታ ዘተኣማምን ምስ ዘይከውን፡ነቲ ሓበሬታ ኣብ ምዝርግሑ ጥንቃቐ የድሊ።
Uppdaterades
Att vara källkritisk innebär att värdera den information man tar del av.

ንሓደ ምንጪ ብህየሳ(ብነቐፌታ) ምርኣይ ማለት፡ነቲ ትረኽቦ ሓበሬታ ሚዛን ምሃቡ ማለት’ዩ።ብሓደ ወገን ገሊኦም ምንጭታት ካብ ካልኦት ምንጭታት ዝለዓለ ተኣማምነት ከም ዘለዎም ምርዳእ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ እቲ ዋና ወይ ሰዳዲ ምንጪ ዕላማ ከም ዘለዎ ምግንዛብ የድሊ።እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እውን ዕላማ ኣለዋ - ንሱ ኸኣ፡ኣብ ልዕሊ ህየሳ ምንጪ ዘሎ ኣፍልጦ ክብ ንምባል እዩ።

ሓያል ስምዒት ንህየሳ ምንጪ የካብዶ

ንሓደ ነገር ብርቱዓት ስምዒታት ምስ ዝሕወስዎ፡ብነቐፌታን ብርትዓውን ንምርኣየሞ ከም ዘካብዶ ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ’ዩ።እቶም ዝተተምየኑ(ዝተሰነዑ) ዜናታት ዝፈጥሩ፡ዘሰንብድን ዘፍርሕን ስእልታት ብምቕባእ ብርቱዓት ስምዒታት ዘላዕሉ ስእልታት ብምጥቃም ይምዝምዝዎ።

ሓቅነት ዘይብሎም ዜናታት ንምፍዳሕ ዕላማ ሰዳዲኡ ግድን ክንምርምሮ ኣለና።ትሕዝቶ ሓቅነቱ ጥራሕ ምምርማር ግን እኹል ኣይኮነን።እቶም ዝተተምየኑ(ዝተሰኑዑ) ዜናታት ዝዝርግሑ፡ሓቅነት ናይ’ቲ ዘጋጠመ  ንኸይፍለጥ ኮነ ኢሎም ይጽዕሩ’ዮም።ዝተተምየኑ ዜናታት ካልእ ቀንዲ ዕላማ ኣለዎም።ንኣብነት ኣቃልቦ ሰማዒ ወይ ኣህላኺ ሰሊብካ ኣብ ሬክላም ከም ዝሰሓብ ምግባር፡ንሓደ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝያዳ ኣተኲሮ ንኽግበረሉ ወይ’ውን ሰባት ኣብ ሕብረተሰብ ዝጸንሖም እምነት ንኽቕንጽ ምግባር ክኸውን ይኽእል።

ሓቀኛ ወይ ሩጡብ ዝኾነ ሓበሬታ ዘርግሕ

ሓደ ሓሶት ዜና ኣብ ውሽጡ ሓቂ ዝኾኑ ትሕዝቶታት ክህልዎ ይኽእል’ዩ።ንኣብነት መበገሲኡ ኣብ ዘጋጠመ ሓቀኛ ፍጻሜ ኮይኑ ግን ነቲ ዋና ወይ ቀንዲ ክውንቶ ብምጒሳይ ወይ ድማ ነቲ ፍጻሜ ሓሶት ዝኾነ መግለጺ ብምሃብ ክቐርብ ይኽእል።

ሓቀኛ ዜና ኣብ ውሽጡ ጌጋታት ክህልውዎ ይኽእሉ፣ንኣብነት ስታቲስቲክስ ብጌጋ ምስ ዝትርጐም ወይ ሓደ ኢንተርቪው ብጌጋ ምስ ዝጥቀስ።ቀንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ዜና ግን ብርግጽ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምሕባር’ዩ ምኽንያቱ እቶም ኣብ’ቲ ዜና ክህልዉ ዝኽእሉ ጌጋታት ብፍላጥ ስለ ዘይተፈጸሙ።

ብመሰረቱ ብጾትና ንኣምኖም ኢና።ኣብ ማሕበራውያን መራኸቢታት(ሜዲያታት) ሓቂ ዘይኮነ ሓበሬታ ምዝርጋሕ፡ሓሶት ጥራሕ ዘይኮነ ዝዝርጋሕ ዘሎ፡እቲ ሓበሬታ ብብጻይና ዝተላእኸ ወይ ዝተዘርገሐ ስለ ዝኾነ፡እቲ ሓሶት ሓበሬታ ክብደት ወይ ዋጋ ይንበረሉ።

ነዞም ዝርዝራት ኣስተውዕለሎም:

  • መን'ዩ ድሕሪ'ቲ ሓበሬታ ዘሎ? ነቲ መበቆላዊ ምንጪ ክትረኽቦ ትኽእል ዲኻ?

  • ብምዝርጋሕካ መን ኢዩ ዚጥቀም?

  • ስለምንታይ እዩ ሓበሬታ ዚውሃብ?ዕላማኡ ኣተሓሳስባኻን ተግባራትካን ንምቕያር ዲዩ?

  • እቲ ሓበሬታ ክንደይ ዝገበረ ኢዩ? ጌና ኣገዳሲ ዲዩ?

  • እቲ ሓበሬታ ኣበይ ረኺብካዮ? ካብቲ ቅድሚ ሕጂ እተረጋገጸ ሓበሬታ ዝሃበ እሙን ምንጪ ዝመጽእ ድዩ?

  • ነቲ ሓበሬታ ኣብ ካልእ ምንጭታት ክትረኽቦ ትኽእል እንተ ኾንካ ሃሰው በል ወይ ኣረጋግጽ ። ካብ ሓደ ምንጪ ጥራይ ዝመጽእ ሓበሬታ ብዓቢ ጥንቃቐ ኪተሓዝ ይግባእ።

  • ነቲ ሕጂ ዘሎካ ርእይቶ ዘየረጋግጽ ሓበሬታ ድለ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ህሉው ኣረኣእያኻ ዘደልድል ሓበሬታ ጥራይ ካብ ምድላይ ትቝጠብ።