ስግኣት ባርዕን ሕጽረት ማይን
ኩሉ ግዜ ኣብ በረኻ ሓዊ ከተቃጽል ከሎኻ ጥንቃቐ ግበር - ዋላ'ውን ናይ ካምፒንግ ክሽነ፡ ተንቀሳቓሲ ግሪል ወይ ናይ ሓዊ እቶን ክትጥቀም ከሎኻ። ኣብ ግዜ ድሩቕ ክሊማ፡ ጥንቃቐ ምግባር ብተወሳኺ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ንሰባት ወይ ንንብረት ዝጎድእ ባርዕ ዚፍጠር ሓደጋ ንምንካይ ኣብዚ ገጽ ዚርከብ ምኽሪ ተኸተል። እቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ መላግቦታት፡ ናብቲ ብቛንቋ ሽወደን ወይ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ዚውሃብ ሓበሬታ ይመርሕ።
መዓስ እዩ ሓዊ ምእጓድ ክልኩል ዚኸውን?
ኣብ እዋን ደረቕ ክሊማ፡ ኮሙናት ወይ ምምሕዳራዊ ቦርድታት ኣውራጃታት ናይ ሓዊ ምእጓድ እገዳ ከውጽኡ ይኽእሉ ኢዮም። ዋላ’ውን እገዳ ምእጓድ ሓዊ እንተ ዘይሃለወ፡ ሓደጋ ባርዕ ልዑል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ምእጓድ ሓዊ ይፍቀድ እንተ ኾይኑ ፍለጥ። እገዳ እናሃለወ ሓዊ እንተ ወሊዕካ ግን ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ እንታይከምዘድሊርግጸኛኣይኮንካን ዲኻ?
መርበብ ሓበሬታ ኮሙን ተወከስ ወይ ድማ ኣብቲ ዘሎኻዮ ናይ ህጹጽ ኣገልግሎት ረድኤት ተወከስ፥ Lista över Sveriges kommuner.
እገዳ ምእጓድ ሓውን ጽኑዕ እገዳ ምእጓድ ሓውን - እንታይ'ዩ ፍልልዩ?
ክልተ ደረጃታት ኣለዉ፤
እገዳ ምእጓድ ሓዊ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ጫካን ኣብ ባይታን ወይ ኣብ ጥቓኡ ሓዊ ክትኣጉድ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት ኢዩ። ይኹንምበር ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቦታ፡ ኣብ መጥበሲ ነገር (ግሪል) ወይ ተመሳሳሊ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተዳለዉን ኣብ ዝተወሰኑን ህዝባዊ ቦታታት ኣብ ዝርከቡ ቀወምቲ ናይ መጥበሲ ቦታታትን ምጥባስ ይፍቀድ ኢዩ።
ጽኑዕ እገዳ ምእጓድ ሓዊ ኪብሃል ከሎ ግን፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ኣብ ውሱን ቦታታትን ግሪል ምግባር ክልኩል ከም ዝኾነ የመልክት። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቦታ ግሪል ወይ ተመሳሳሊ ናይ ምጥባስ ተግባር ከተካይድ ዚፍቀደልካ ግን፡ ባርዕ ብዘየኸትልን ብውሑስ መገድን ምስ እትገብሮ ጥራይ እዩ።
ኣብ Krisinformation.se ኣበይ ቦታ ናይ ምእጓድ ሓዊ እገዳ ከም ዘሎ ዘርኢ ካርታ ኣሎ። ቀዪሕ ወይ ኣራንሻዊ ሕብሪ ኣብ ዘለዎ ቦታታት ምእጓድ ሓዊ ክልኩል እዩ።
ብዛዕባ ሓደጋባርዕእኹል ሓበሬታ ንኺህልወካ
- ነዚ ዚስዕብ ኣፕሊከሽን ምላእ Brandrisk Ute
- ኣብ brandriskprognoser hos SMHI ተመልከት
እቲ ባርዕ እንተ ተዘርጊሑ – ናብ 112 ደውል።
ሓዊ ብምእጓድካ እቲ ባርዕ እንተ ደኣ ተዘርጊሑ ብቕልጡፍ ናብ 112 ክትድውል ይግባእ። እቶም ናይ ህጹጽ ኣገልግሎት ሰራሕተኛታት ባርዕ ከም ዘሎ ቀልጢፎም ብዝፈለጡ መጠን፡ ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ድማ ዝቐለለ ይኸውን።
ሓበሬታብተሌፎን፡ 113 13
ከቢድ ሓደጋታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ካብ ፖሊስ፡ ካብ ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕንን ካልኦት ሰብ መዝን ዝመጽእ ሓበሬታ ምክትታል ኣገዳሲ እዩ።
- ብዛዕባ ሓደጋታት ገለ ሕቶታት ምስ ዚህልወካ ናብ 113 13 ደውል።
- ብብዙሕ ቋንቋታት ዚውሃብ ሓበሬታ ኣብ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ቻነል Radio Sweden: ይርከብ፤
ካብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ቦታታትርሓቕ
ድሕሪ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብቲ ባርዕ ዝነበሮ ቦታ ምኻድ ሓደገኛ ኺኸውን ይኽእል እዩ። ኣእዋም ኪወድቁ ይኽእሉ እዮም፡ እቲ ሓዊ ምስ ጠፍአ እውን እቲ መሬት ንነዊሕ ግዜ ኪጕህር ይኽእል ኢዩ።
ብዛዕባ ኣገዳሲ ሓበሬታ
እቲ ባርዕ ሓዊ ንህይወትን ጥዕናን ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ሓላፊ ህጹጽ ረድኤት፡ ንህዝቢ ዚምልከት ኣገዳሲ መልእኽቲ ከውጽእ ይኽእል ኢዩ።
እዚ ድማ ብመገዲ...
- ሃገራዊ ሬድዮን ቲቪን
- ካልኦት ሚድያታትን...
- ብመገዲ Krisinformation.se. ይተሓላለፍ።
ባርዕ ኣብ ዘለዎ ቦታ እንተሎኻ እቲ መጠንቀቕታ ኣብ ሞባይልካ ከም ኤስኤምኤስ ኮይኑ ኪመጸካ ኢዩ።
ኣብዚ መርበብዚ om viktigt meddelande ብዛዕባ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዝስተ ማይን ሕጽረት ማይን
ዝናብን በረድን ኣዝዩ ውሑድ ምስዝዘንብ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ማይ ከም’ቲ ዝድለ ኣይመልእን እዩ። እዚ ድማ ሕጽረት ማይ ከስዕብ ይኽእል.። ሽዑ ብዛዕባ ዝስተ ማይ ዝምልከት ቁጠባዊ ምዃን ኣገዳሲ እዩ።
ማይ ብኸምዝስዕብ ጌርካ ትቑጥብ፡
- ሕጽር ዝበለ ግዜ ዝወስድ ሻወር ውሰድ።
- ኣብ ዘይትጥቀመሉ እዋን ነቲ ቡምባ ዕጸዎ፡ ንኣብነት ሳሙና ከተዕፍር ወይ ኣስናንካ ክትፍሕፍሕ እንከለኻ።
- ኣቑሑት ክትሓጽብ ከለኻ ማይ ክውሕዝ ኣይትግደፎ ከምኡ’ውን ምሉኣት መሕጸቢ ቢያቲ ማኪናታት ጥራይ ኣካይድ።
- ኣታኽትሊ ብዝስተ ማይ ኣይተስትይ፡ ኣብ ክንድኡ ማይ ዝናብ ኣኪብካ ኣስትይ።
- ነቶም ኣታኽልቲ ምሸት ቁሩብ ዝሕል ምስ በለ ማይ ኣስትዮም።
- ዝስተ ማይ ኣብ ፍሪጅ ኣቐምጦ፡ ሽዑ ማይ ንኽዝሕል ንነዊሕ ግዜ ካብ ማይ ምፍሳስ ኣየድልየካን።
እንድሕር ኣብ’ቲ ቡምባ ዝስተ ማይ ዘይሃልዩ እቲ ኮሙን ወይ ናይ መድሕን ኣገልግሎት ኣብ’ቲ ዝተጎድአ ከባቢ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ታንክታት/መዕቆሪ ማይ ከቐምጡ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ማይ ናብ ገዛኻ ምእንቲ ክትወስዶ ክትክል ናይ ገዛእ ርእስኻ ገረወይኛታት ከድልየካ ይኽእል እዩ። ንሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሊትሮ ማይ ከምዘድልዮ ኣብ ግምት የእትው።
እገዳ ኣታኽልቲ ማይ ምስታይ
ኣብ’ቲ እትርከበሉ እንድሕር እገዳ ኣታኽልቲ ማይ ምስታይ ሃልዩ ፍለጥ። ብመንገዲ ኮሙንካ ገይርካ ኢኻ ትፈልጦ። እገዳ ኣታኽልቲ ማይ ምስታይ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ዝስተ ማይ ንምኽሻን ምግቢ፡ ንምስታይን ንጽርየትን ጥራይ እዩ ክውዕል ዝኽእል።
ዝስተ ማይ ኣብ ከተፍልሕ ኣብ ትግደደሉ እዋን
እንድሕር ኣቲ ማይ ቡምባ ባክተርያ፡ ቫይረስ ወይ ከሕምሙኻ ዝኽሉ ባልዓት ከምዘለዎ ጥርጣረ ምስዝህሉ፡ ኮሙንካ ናይ ምፍላሕ ለበዋ ከቕርብ ይኽእል እዩ። ኣዚ ማለት እቲ ማይ ቅድሚ ክስተ ምኽኣሉ ወይ ምግቢ ምኽሻን ምጥቃም ክፈልሕ ኣለዎ። እቲ ማይ ኣዝዩ ዓፍ ዓፍ ዝብል ክፈልሕ ኣለዎ።
ልዑልሙቐት
ልዑል ሙቐት ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ - ብፍላይ ንኣረጋውያን፡ ንሕሙማትን ንነኣሽቱ ህጻናትን።
- በዓል መዚ ኩነታት ኣየር ሽወደን SMHI እቲ ሙቐት ጎዳኢ ክኸውን እዩ ኢሉ እንተ ገሚቱ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ SMHI varnar på sin webbplats ኣቐዲሙ የጠንቅቕ ኢዩ።
- ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177.se ብዛዕባ እተፈላለዩ ሕማማት ብሓያሎ ቋንቋታት ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም። ሕቶታት ምስ ዚህልወኩም ናብ 1177 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ሓበሬታ ካብ MSB፡ ምምሕዳራት ኣውራጃ፡ SOS Alarm፡ Svensk vatten፡ ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕን፡ SMHIን Sveriges Radioን ኢዩ ዚመጽእ።